እዚ መጻሕፍቲ እዚ ብናጻ ምውራድ ይከኣል እዩ ።
እዛ መጽሓፍ ጸሎት እቲ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና ክንጥቀመሎም ዝጸናሕናን ሕጂ’ውን ንጥቀመሎም ዘሎና ጸሎት ሾብዓተ ሰዓታትን ውዳሴ ማርያምን ኣብ ሓደ ጠርኒፋቶም ትርከብ።
ከምኡ’ውን እቶም ምሩጻት ጸሎታት ኣገደስቲ ኮይኖም ብምርካቦም ካብ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን መጽሓፍ ጸሎት (ኣግቢያ) ብትግርኛ ተተርጒሞም ቀሪቦም ኣለዉ። ምስጋና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ይኹን።
➡️ [ሕጂ ኣዝዝ - ብቐጥታ ኣውርድ]
እዛ መጽሓፍ ኣብ ጸሎት ጥራይ ዘተኮረት እያ። እቲ ብዛዕባ ጸሎት ክንፈልጦ ዝግባኣና፡ ከምኡ’ውን ብጸሎት ንኺንዓቢ ኽንክተሎ ዘሎና መገድታት ገሊጻቶ ትርከብ። እቲ ኣብ መወዳእታ ክፋል ናይዛ መጽሓፍ ዝርከብ መምረሒታት ጸሎት፡ ከምቲ ዘማሪ ቅዱስ ዳዊት “ኦ እግዚኣብሔር ካብ መዓሙቚ ናባኻ ኣእወኹ” (መዝ. 130:1) ዝበሎ ጸሎትና ካብ መዓሙቚ ናይ ልቢ ንኪኸውን ይሕግዘና። በዚ ምኽንያት እያ ድማ እዛ መጽሓፍ “ጸሎት ካብ መዓሙቚ” ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘት።
ብፍላይ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት ጀመርቲ ንዝኾንና እቲ ኣብዚ መጽሓፍ ተጻሒፉ ዘሎ ግብራዊ ስጉምቲ ብሓንሳእ ክንጅምሮ ዘይኮነ፡ ሓንቲ ብሓንቲ እናወሰድና፡ ንጠቀመሉ ። ሓንቲ ትምህርቲ ወሲድና ንዓኣ ጽቡቕ ምስ መለኽናያ ናብታ ሓንቲ ትምህርቲ ንስገር። ትዕግስትን ጻዕርን ጽንዓትን ስለ ዘድልዮ፡ ኣጆና ኣይንትሓለል።
➡️ [ሕጂ ኣዝዝ - ብቐጥታ ኣውርድ]
እዛ መጽሓፍ መዝሙር ንመንፈሳዊ ዕቤትን ንምስጋና እግዚኣብሄር ንምትብባዕን፡ ከምኡ’ውን ንኣጎልግሎት ቤት ትምህርቲ ሰንበት ኣድላዪ ኮይኑ ብምርካቡ ክሳብ ሽሕ ዝኸውን ኣብ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዝዝመር መንፈሳዊ መዝሙር ኣብ ሓደ ጠርኒፋቶም ትርከብ። ብተወሳኺ’ውን እዛ መጽሓፍ መዝሙር ብትግርኛ ጥራይ ብምጽሓፋ፡ ንነኣሽቱ ደቅናን ኣሕዋትናን ቋንቆኦም ክዕቕቡ ንክኺእሉ ክትሕግዝ ትኽእል።
➡️ [ሕጂ ኣዝዝ - ብቐጥታ ኣውርድ]